Music Video

Featured In

Credits

AUSFÜHRENDE KÜNSTLER:INNEN
Yemane Barya
Yemane Barya
Künstler:in
KOMPOSITION UND LIEDTEXT
Yemane Barya
Yemane Barya
Komponist:in

Lyrics

ብኡነት ናይ ብሓቂ እምብዛ ናፊቐ ዘሕለፍክወን ዓመታት ምሳኺ ሓንቂቐ እዝክረን ኣለኹ ጸሓይ ምስ በረቐ ክሳብ ትዓርብ መሬት ብርሃን ናደመቐ ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ ከናፍረይ ደሪቑ ንዒ 'ዛርብኒ ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ ከናፍረይ ነቒጹ ሓንሳብ ሰዓምኒ ካብ መሬት ናብ ሰማይ ክንዲ ዘሎ ርሕቀት ከም ናይ ውቅያኖስ ከም ናይ ባሕሪ ዑምቀት ሜዳ ልበይ ሰፊሕ'ዩ ብሓጹር ዘይዕገት ብማዕዶ ዘይስፈር ብቐሊል???? ንዓኺ'ዩ ኹሉ ድላይኪ ጋልብሉ ኣፍቂደልኪ'የ ኣነ ስምኪ ጸሓፍሉ ሕረስዮ'ውን ኩሉ ዕምባባኺ ዝርእሉ ???? እዩ ሃየ ዓንድርሉ ምንም ዘይልወጥ ከም ቁጽሪ ኽልተ ረቢሑ ተደሚሩ ኩሉ ጊዜ ኣርባዕተ ዓይነይ ኣይዝንብልን ንዓኺ ምስ ጠመተ ልሳነይ ኣይቅይርን ሓንሳብ ምስ ሎከተ ሰፊሕ ሜዳ ልበይ ፈረስ??? ሰጥ ዝበለ ጎልጎል'ዩ ገለ ዘይቦቖሎ ንዒኺ'ዩ ኹሉ ከም ድላይኪ ጋልብሉ ኣፍቂደልኪ'የ ኣነ ስምኪ ጸሓፍሉ ከም ሓያል ክረምቲ ብርቱዕ ዝናብ ዘዝነበ የዒንተይ ተጾሚቑ ምሒር እናተሓልበ ብመሽረብ ንብዓተይ ገጸይ ተሓጺበ ይኣኽለኒ 'ይበልኩን ናፍቖት ጸጊበ ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ ከናፍረይ ደሪቑ ንዒ 'ዛርብኒ ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ ከናፍረይ ነቒጹ ሓንሳብ ሰዓምኒ
Lyrics powered by www.musixmatch.com
instagramSharePathic_arrow_out