Credits
AUSFÜHRENDE KÜNSTLER:INNEN
Yemane Barya
Künstler:in
KOMPOSITION UND LIEDTEXT
Yemane Barya
Komponist:in
Lyrics
ብኡነት ናይ ብሓቂ እምብዛ ናፊቐ
ዘሕለፍክወን ዓመታት ምሳኺ ሓንቂቐ
እዝክረን ኣለኹ ጸሓይ ምስ በረቐ
ክሳብ ትዓርብ መሬት ብርሃን ናደመቐ
ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ
ከናፍረይ ደሪቑ ንዒ 'ዛርብኒ
ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ
ከናፍረይ ነቒጹ ሓንሳብ ሰዓምኒ
ካብ መሬት ናብ ሰማይ ክንዲ ዘሎ ርሕቀት
ከም ናይ ውቅያኖስ ከም ናይ ባሕሪ ዑምቀት
ሜዳ ልበይ ሰፊሕ'ዩ ብሓጹር ዘይዕገት
ብማዕዶ ዘይስፈር ብቐሊል????
ንዓኺ'ዩ ኹሉ ድላይኪ ጋልብሉ
ኣፍቂደልኪ'የ ኣነ ስምኪ ጸሓፍሉ
ሕረስዮ'ውን ኩሉ ዕምባባኺ ዝርእሉ
???? እዩ ሃየ ዓንድርሉ
ምንም ዘይልወጥ ከም ቁጽሪ ኽልተ
ረቢሑ ተደሚሩ ኩሉ ጊዜ ኣርባዕተ
ዓይነይ ኣይዝንብልን ንዓኺ ምስ ጠመተ
ልሳነይ ኣይቅይርን ሓንሳብ ምስ ሎከተ
ሰፊሕ ሜዳ ልበይ ፈረስ???
ሰጥ ዝበለ ጎልጎል'ዩ ገለ ዘይቦቖሎ
ንዒኺ'ዩ ኹሉ ከም ድላይኪ ጋልብሉ
ኣፍቂደልኪ'የ ኣነ ስምኪ ጸሓፍሉ
ከም ሓያል ክረምቲ ብርቱዕ ዝናብ ዘዝነበ
የዒንተይ ተጾሚቑ ምሒር እናተሓልበ
ብመሽረብ ንብዓተይ ገጸይ ተሓጺበ
ይኣኽለኒ 'ይበልኩን ናፍቖት ጸጊበ
ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ
ከናፍረይ ደሪቑ ንዒ 'ዛርብኒ
ኣይከኣልኩን ኣነ ጽምኢ ማይ ኮይንክኒ
ከናፍረይ ነቒጹ ሓንሳብ ሰዓምኒ
Lyrics powered by www.musixmatch.com