Featured In

Credits

AUSFÜHRENDE KÜNSTLER:INNEN
Yemane Barya
Yemane Barya
Künstler:in
KOMPOSITION UND LIEDTEXT
Yemane Barya
Yemane Barya
Komponist:in

Lyrics

ኣብ መረተይ ዝቦቑል ጽቡቕ ዕምበባታት ዓበይትን ናእሽቱን ኣኽራናት ጎቦታት ርኢኻ ኣይጽገብን ናይ ሓጎስ ሰዓታት ወርቒ እናፈልፈለ ኻብ ለዋህ መረተይ ወደባት ከለኒ ምስ ኩቡራት ዑንቀይ ኣነ'ዶ ምሰኣንኩ ምስ'ዚ ኩሉ ሃብተይ ዘይሃስስ ብርሃን ዘይድብን ጸሓይ በብዓይነቱ ኣእካል ጣፍ ስገም ስርናይ ኣብቲ ልምሉም መሬት ፈልፋሊ ጽሩይ ማይ ምስ ለሚን ብርቱኳን ዘቢብ ዝበቁሎ ወይኒ ሰፊሕ ዓቢ መሬት ዘይጥመት ብዓይኒ ወደባት ኣለዉና ከም ኩቡር ዑንቂ እምኒ ጸባ መዓር ወለላ ኣብ ቅድመይእናተሓልበ ሃብታም'ዩ መሬተይ ዕንበባ ዝተጎልበበ ኣነ'ዶ ምጠመኹ ጉድ እምበር ረኺበ ብኣየር ብባሕሪ ብመሬት ኣቢሉ ናብ ወጻኢ ሃገር ተሰዲዱ ኹሉ ጾመይ ኣሕዲሮምኒ ጨካናት ቶኻሉ ዘይውዳእ ሕልሚ ዘይወግሕ ለይቲ ሓጋይ ብዘይ ጸሓይ ብዘይ ማይ ክረምቲ ኣይሓርስ ኣይቁጥቁጥ ወትሩ ናብ ማእሰርቲ መሬተይ ዘፍረዮ ሰዊት ናይ ግራተይ ፈልፊሎም ዝወጹ ማዕድን ወደባተይ ጋኖት ይበልዕሉ ሞሶባት ናይ ኣደይ ከም ሰብ ትፈጢረ ቦታ ተዋሂቡኒ ሰሪሖም ዘናብሩ ዓይነብርኪ ኣለዉኒ ግና ኣይኮነለይን መግዛእቲ መሪሩኒ ሓጋይን ክረምትን ኩሉ ሓደ ኮይኑኒ ኣይዘርእ ኣይዓጽድ ዕድል ሃዲሙኒ ድጉል ፍሓም ኮይኑ ረመጽ ሓሙኹሽቲ ሓኪም ዘይኽእሎ ሕማም ውሽጢ ዉሽጢ ስጋይ ወዲእዎ ኣትሪፉኒ ኣዕጽምቲ ብኽያተይ ንብዓተይ ኣውያተይ ዘይስማዕ መኣዲ ገዛና ብጋኖት ክብላዕ ህድሞና ጠፊኡ ንፋስ ኣእቲዉልና ዘይዉዳእ ሕልሚ ዘይወግሕ ለይቲ ሓጋይ ብዘይ ጸሓይ ክረምቲ ብዘይ ማይ ክረምቲ ኣይሓርስ ኣይቑጥቑጥ ወትሩ ናብ ማእሰርቲ መሬተይ ዘፍረዮ ሰዊት ናይ ግራተይ ፈልፊሎም ዘይወጹ ማዕድን ወደባተይ ጋኖት ይበልዕሉ ሞሶባት ናይ ኣደይ።
Lyrics powered by www.musixmatch.com
instagramSharePathic_arrow_out