Similar Songs
Credits
AUSFÜHRENDE KÜNSTLER:INNEN
Yemane Barya
Künstler:in
KOMPOSITION UND LIEDTEXT
Yemane Barya
Komponist:in
Lyrics
ከመዓልካ ሓወይ ዕባይ ናይ ኣስመራ
ወዲ ዓባይ ሻውል ወደ ኣርብዓተ ኣስመራ
ብሓፈሻ ኩሉኹም መንእሰያት ኤርትራ
ትዝክሩ ዲኹም ናይ ቀደም ጸወታ?
ተኣኪብካ ምዛር ናይ ግርህነት ዋልታ
ከም ሎሚ ኸይኮነ ብማዕዶ ሰላምታ
ተንኮል ከይነገሰ ክፍኣት ከየስፋሕፈሐ
ኩሉ ኸይጨከነ ከም ከልቢ ከይነብሐ
ጥዑም ግዜ ኔሩ ምሸቱ ዝወግሐ
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ስደት ዘለኻ
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ስደት ዘለኻ
ሓወይ ወዲ ዓደይ ሰላም የውርደልካ
ከመዓልካ ሓወይ ዓርከይ መማህርተይ
ኣብ ግዜ ንእስነት ንዓይ መጻውተይ
መዘከርታ እንካ እዛ ዜማ ናተይ
ገሌኹም ኣብ ባሕሪ ገሌኹም ኣብ ምድሪ
ትቃለሱ ዘለኹም ተዋሂብኩም ሕድሪ
ዓወት ንኽትረኽቡ ንልምን ናብ ፈጣሪ
ሰብ ርሑቕ ሰብ ቀረባ ኩልኹም ብሓበራ
ኣብቲ ዘለኽሞ ከይትረኽቡ መከራ
ጽቡቅ ምኒዮታ ትገለጸልኩም ኣስመራ
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ቃልሲ ዘለኻ
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ቃልሲ ዘለኻ
ሓወይ ወዲ ዓደይ ዓወት የውርደልካ
ከመዓልካ ሓወይ ዕባይ ናይ ኣስመራ
ወዲ ዕባይ ሻውል ወደ ኣርብዓተ ኣስመራ
ብሓፈሻ ኩልኹም መንእሰያት ኤርትራ
ደቀ ኣስመራ ጻዕዳ ደቅ'ዛ ሕያወይቲ
ገሌና ንላዕሊ ገሌና ንታሕቲ
ፋሕ ጭንግራሕ ኢልና ከምዘይ መተዓብይቲ
ወይዘሪት ኣስመራ ሕያወይቲ እንዲኺ
ኮስኪስኪ ዘዕበኽዮም ንኣሽቱ ደቕኺ
ኣበይ ከምዘለው ኣይትሓትን ዲኺ?
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ስደት ዘለኹም
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ስደት ዘለኹም
ኣሕዋት ደቂ ሃገር ራህዋ የውርደልኩም
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ቃልሲ ዘለኹም
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ቃልሲ ዘለኹም
ኣሕዋት ደቂ ሃገር ዓወት የውርደልኩም
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ስደት ዘለኻ
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ቃልሲ ዘለኻ
ሓወይ ወዲ ዓደይ ስኒት አውርደልካ
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ስደት ዘለኻ
ኣብ ርሑቕ ኣብ ቀረባ ኣብ ቃልሲ ዘለኻ
ሓወይ ወዲ ዓደይ ሰላም የውርደልካ
Lyrics powered by www.musixmatch.com