Top Songs By Korchach
Lyrics
ነ'ኮ ኣነ'የ! ብጓል ዘይምብርከኽ,,,
'ናልኩ ክጀሃር
ሓርዩለይ እዝጊ,,,
ብኣኺ ፍቕሪ ክመሃር
ድሕሪ ደጊም ዕድመ ንዓኺ,,,
የለን ምዝህላል
ኣርኢኽኒ ዲኺ,,,
ንሓያል ከምዘለዎ ሓያል
-----//-----
ሃነነን,,,ሃነነን ዘብል,,,ማራኺ ግርማ,,,
ኣጓብዝ ዓዲ ዘጋድል
ኮነ'ሉ ጎይታ,,,
ንዓይ ክምህር,,,እንከይበቐቐ ሂቡኪ ዕድል
-----//-----
ምስ ኣነ ዘ'ለ ጎበዝ,,,
አእዳወይ ኔረን ሴፈይ
መምህር ግን ብፍቕሪ,,,
ኣፍቲሕክኒ ቑልፈይ,,,ጉዳም
-----//-----
ኣሄሄሄሄሄ,,,
ክሳብ ወፊርኪ እትብሊ ምልስ
ምስነብሰይ ቅልስ
ኣሄሄሄሄሄ,,,
ምስረአኹኺ ከምዘይብል ዝሕል
ልሳነ ንነገር,,,ስሕል
-----//-----
ልበይ ብቕንኢ,,,ይብላ ጸላዕላዕ
ክሰሃለኪ,,,እመዝዝ ስላዕ
-----//-----
መጺኺ ግን,,,ምስበልክኒ ጥምጥም
ልሳነይ ልኩት,,,ድምጸይ ህጥም
ኣብ ቀላይ ፍቕሪ,,,ኣትየ ስጥም
ይሰዓረልኪ,,,ከይጀመርና ግጥም
-----//-----
ብፍላይ,,,
ምዋ,,,ምዋ,,,ምሰበልንኪ ምዋ
አእቲኺ 'ብ ዕጽዋ
ኣሰይ,,,ኣሰይ,,, ሓጎስ 'ታ ህሞት,,,
የብላን ጽዋ,,,
ልግብ,,,ልግብ,,,ልግብ,,,ሕግብግብ
ልበይ ክምግብ
ጽግዕ,,,ልሕግ,,,ልግብ,,,ሕግብግብ
ክሳብ ንዓግብ
-----//-----