Lyrics

ኣቤት ልቦና ኩሉ ብዓቕሊ ትጸርዮ
ተዓዊቱልኪ ክንደይ ከ ትኽእልዮ።
  ጠባይ ቁንጅና ግዝኣትኪ ኮይኑ ወኒንክዮ
  ተዓዊቱልኪ ኩሉ ተዓዲልክዮ።
ጸዋሪት ብፍቕሪ- ንኹሉ ትስዕሪ
ወናኒት/2/ ሃነን መሀነኒት።
  ንዕልቲ ሕማም ኩርምቲ
  ኣባኽስ ኮይና ምቅርቲ
  ዉዑይ ኣልቢጥኪ ተዝሕሊ
  ፍቕሪ ኣ`ራቢሕኪ ትመቕሊ
  ዝእግመኪ የለን ኩሉ ትኽእሊ።
ብርሃን ጸሓይ ንዒቑ - ድሙቕ ፍሽኽታኺ ልዕሊኡደሚቑ፡
መዓርፎ የ`ዒንቲ - ኩሉ ዝምነየኪ ናይ ዓለምና ሓንቲ።
   ኩሉ ሕሉፍ ጸገም ጉዕዞ ሂወተይ ዝሓለፍክዎ `ቲ ዝመረረ
   መድሕን ኴንኪ ብርሃን ናይ መገደይ ታሪኽ ጌርክዮ ከምዘይነበረ፡
   እምበር ከምዚ ድየ ኔረ ልበይ ብሓያል ፍቕርኺ ከይተሰዓረ።
   ሰዓሪት/2/ ንኹሉ ሰዓሪት ብፍቕሪ
     ድርብ
ብዘይ ዂናት ምስ ኩሉ ገጢምኪ - ትስዕርዮ ፍቕሪ`ንድዩ ቅልጽምኪ፡
ተሃንዲዱ ዝመጸ ብነድሪ - ተርግእዮ ብልዝብ ብምኽሪ።
   ፍቕረየ መግለጺ`ኮ ስኢነሉ ናትኪ ነገር፡
   ውድእቲ ካብ ፈጣሪ ተዓዲልኪ ብዘይ ኣበር።
ብዘይ ኣበር ኣምላኽ ዶኲኒኪ ስጥምጥም ብግብሪ
ተጋጢሙ ኮኾበይ ኮኾብኪ ግጥምጥም ብፍቕሪ
ጽልኢ ትጽየፊ - ብይቕረ ትሓልፊ - ሰንፈላል ልቢ ተዕርፊ።
ፍቕረየ መግለጺ`ኮ ስኢነሉ ናትኪ ነገር፡
ውድእቲ ካብ ፈጣሪ ተዓዲልኪ ብዘይ ኣበር።
ኩሉ ሰናይ ምሳኺ ጥራይ
ኩሉምሉ ምሳኺ ጥራይ
ኩሉ ኣብ ኩሉ ምሳኺ ጥራይ።
   መን ኣሎ ድዩ ከማይ ዝጠዓሞ - ከማኺ ጓል ሄዋን ዘጋጠሞ
   ፍቕሪ ሂብኪ ፍቕሪ ትቕበሊ - ኣራቢሕኪ ሽሻይ ተማቕሊ
ፍቕረየ መግለጺ`ኮ ስኢነሉ ናትኪ ነገር፡
ውድእቲ ካብ ፈጣሪ ተዓዲልኪ ብዘይ ኣበር።
   ፍቕርኺ መሊኡ ዘንጀርብብ - ብሓቂ ሓቂ`ወ
   ከማኺ ድሌተይ ዝነብብ - ኣበይ ከ ክትረክብ።
ፍቕርኺ ጥዒመ - ኣነስ ተገሪመ - ኮኾብ ሰማይ ተሸሊመ።
  ፍቕረየ መግለጺ`ኮ ስኢነሉ ናትኪ ነገር፡
  ውድእቲ ካብ ፈጣሪ ተዓዲልኪ ብዘይ ኣበር።
ኩሉ ሰናይ ምሳኺ ጥራይ
ኩሉምሉ ምሳኺ ጥራይ
ኩሉ ኣብ ኩሉ ምሳኺ ጥራይ።
instagramSharePathic_arrow_out