Top Songs By Korchach
Lyrics
ኣቤት ልቦና ኩሉ ብዓቕሊ ትጸርዮ
ተዓዊቱልኪ ክንደይ ከ ትኽእልዮ።
ጠባይ ቁንጅና ግዝኣትኪ ኮይኑ ወኒንክዮ
ተዓዊቱልኪ ኩሉ ተዓዲልክዮ።
ጸዋሪት ብፍቕሪ- ንኹሉ ትስዕሪ
ወናኒት/2/ ሃነን መሀነኒት።
ንዕልቲ ሕማም ኩርምቲ
ኣባኽስ ኮይና ምቅርቲ
ዉዑይ ኣልቢጥኪ ተዝሕሊ
ፍቕሪ ኣ`ራቢሕኪ ትመቕሊ
ዝእግመኪ የለን ኩሉ ትኽእሊ።
ብርሃን ጸሓይ ንዒቑ - ድሙቕ ፍሽኽታኺ ልዕሊኡደሚቑ፡
መዓርፎ የ`ዒንቲ - ኩሉ ዝምነየኪ ናይ ዓለምና ሓንቲ።
ኩሉ ሕሉፍ ጸገም ጉዕዞ ሂወተይ ዝሓለፍክዎ `ቲ ዝመረረ
መድሕን ኴንኪ ብርሃን ናይ መገደይ ታሪኽ ጌርክዮ ከምዘይነበረ፡
እምበር ከምዚ ድየ ኔረ ልበይ ብሓያል ፍቕርኺ ከይተሰዓረ።
ሰዓሪት/2/ ንኹሉ ሰዓሪት ብፍቕሪ
ድርብ
ብዘይ ዂናት ምስ ኩሉ ገጢምኪ - ትስዕርዮ ፍቕሪ`ንድዩ ቅልጽምኪ፡
ተሃንዲዱ ዝመጸ ብነድሪ - ተርግእዮ ብልዝብ ብምኽሪ።
ፍቕረየ መግለጺ`ኮ ስኢነሉ ናትኪ ነገር፡
ውድእቲ ካብ ፈጣሪ ተዓዲልኪ ብዘይ ኣበር።
ብዘይ ኣበር ኣምላኽ ዶኲኒኪ ስጥምጥም ብግብሪ
ተጋጢሙ ኮኾበይ ኮኾብኪ ግጥምጥም ብፍቕሪ
ጽልኢ ትጽየፊ - ብይቕረ ትሓልፊ - ሰንፈላል ልቢ ተዕርፊ።
ፍቕረየ መግለጺ`ኮ ስኢነሉ ናትኪ ነገር፡
ውድእቲ ካብ ፈጣሪ ተዓዲልኪ ብዘይ ኣበር።
ኩሉ ሰናይ ምሳኺ ጥራይ
ኩሉምሉ ምሳኺ ጥራይ
ኩሉ ኣብ ኩሉ ምሳኺ ጥራይ።
መን ኣሎ ድዩ ከማይ ዝጠዓሞ - ከማኺ ጓል ሄዋን ዘጋጠሞ
ፍቕሪ ሂብኪ ፍቕሪ ትቕበሊ - ኣራቢሕኪ ሽሻይ ተማቕሊ
ፍቕረየ መግለጺ`ኮ ስኢነሉ ናትኪ ነገር፡
ውድእቲ ካብ ፈጣሪ ተዓዲልኪ ብዘይ ኣበር።
ፍቕርኺ መሊኡ ዘንጀርብብ - ብሓቂ ሓቂ`ወ
ከማኺ ድሌተይ ዝነብብ - ኣበይ ከ ክትረክብ።
ፍቕርኺ ጥዒመ - ኣነስ ተገሪመ - ኮኾብ ሰማይ ተሸሊመ።
ፍቕረየ መግለጺ`ኮ ስኢነሉ ናትኪ ነገር፡
ውድእቲ ካብ ፈጣሪ ተዓዲልኪ ብዘይ ኣበር።
ኩሉ ሰናይ ምሳኺ ጥራይ
ኩሉምሉ ምሳኺ ጥራይ
ኩሉ ኣብ ኩሉ ምሳኺ ጥራይ።