Lyrics

ክደልየካ ዓው ኢለ ኣድሃኹዎ ንስምካ መላሲ ኣብ ዘይብሉ መልላሲ መቃልሕ ጎቦ'ኳ ተዓዚሙ ክንዲ ሕሙም ልበይ ዘሳሲ ቀስተ ደበና ራኣኹዎ ተሰሊሙ ሰማይ ኣወቂቡ ዘከርኩዎ'ቲ መሪር እዋን ሕቶ ፍቕርኻ ዝነጸግኩሉ ኣበየናይ ኣንፈት'ዩ ኣድራሻኻ ዘሎ ሎምስ ዓቢደልካ ኣትይኒ ሰሎሎ ንመንየ ደፊረ ብኣኻ ክሓቶ ሞት ሕጹይ ኮይኑኒ ኣምሪርካ ዘይልቀሶ ክወርድ ክድይብ ዓቐብ ቁልቁለቱ ክጸመልካ እየ ጾም ፍቕሪ ጻማ እንተ ረኸብኩ ኩሉ ንእስነተይ ኣብ ምድላይካ ከሕልፎ ሰኣን ሕራይ ምባል ከም ትማሊ ገነትካ ኸይኩለፎ ፈጊድካዶ ብ መሪር እምቢታይ ቀቢጽካዶ ኮቶ ቶባ ኢልካኒ ካልአይቲ ዕድል ክፍትን ከይበልካ ስውር ዝበልካኒ ክደልየካ ዓለመይ ክደልየካ ክደልየካ ምጭወይ ክደሌካ ክደሌካ ሂወተይ ክደሌካ ክደሌካ ቅርቅረ ተኸቲለ ክጅምሮ ጉዕዞ ድልያኻ ኣይ መዓር እንዲኻ ደኺመ'ኳ ኣይብልን ከምታ ንዓይ ናይ ትማሊኻ ክሳብ ዝረኽበካ ኮለል ክብሌ ናተይ ንስኻ ኢኻ እሞ ሎሚ ባዕለይ ክደልየካ ናይ ትማሊ ዳምዳካ ክደግሞ ከርእየካ ደልየ ጽሩይ ፍቕሪ ሕቶ ፍቕርኻ ከም ጋቢ ክጉምጎሞ ካብ ዘይርእየካ ነዊሕ እዋን ኮነ ኣይከኣልኩን ኣለኹ ክዳነ ጸሚኤካ እንተ ዘይረኺበካ ከይሓምም ፈሪሀ በጃኻ ባዕለይ ክደልየካ ባዕለይ ክደልየካ(2) በብ ዝኸድኩዎ ከተሰንየኒ ምጩወይ ኣበይ ተሰዊጡኒ ደኺመ'ኳ ኣይበልካን ኣይተረፍካን ካብ ሱግሚ እግረይ ዕጅብ ሓጊኻኒ ናይ ሽዑ ሕቶኻ እዋይ ሎሚ እንተ ዝረኽቦ ጥምጥም ምበልኩኻ ኣሃይ ብዘይ ኣሳሓኮ ግጥምን ዜማን መንግስተኣብ ገብረገርግሽ(ተጋይሸ)
Writer(s): Mengsteab Gebregergish Lyrics powered by www.musixmatch.com
instagramSharePathic_arrow_out